Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኬኒያ ዘዳለዎም መወሸቢ ማእኸላትን ሆስፒታላትን ብሕሙማት ቫይረስኮሮና ከምዝመልኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ መንግስቲ ዘዳለዎም መወሸቢ ማእኸላትን ሆስፒታላትን ብሕሙማት ቫይረስኮሮና ስለ ዝመልኡ ኣብ ቀረባ ኣብ ገዛ ገዛ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ኮቪድ-19 ክጅምር እየ ኢሉ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ሆስፒታላት ኣጋጢሙወን ዘሎ ፀገም ንምቅላል እቶም ሕሙማት ናብ ስድርኦም ቅድሚ ምሕዋሶም ኣብ ገዛ ብዛዕባ ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና መምርሒ ከነውፅእ ኢና ኢሉ።

እዞም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሕከሙ ናብ ስድርኦም ዝልኣኹ ካብ ሰባት ተነፅሎ ንከይገጥሞም ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ናይሮቢ ክልተ ኣገልግሎት ሕክምና ቫይረስኮሮና ዝወሃበሎም ማእከላት እኳ እንተሃለው ክልቲኦም መሊኦም ኣለው።

ብሓሙስ 124 ሓደሽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ስለ ዝተረኸቡ፥ ቑፅሪ ኣብታ ሃገር በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 2 ሺሕን 340 በፂሑ ኣሎ።

ካብዚኦም እቶም 592 ክሓውዩ ከለው፥ 78 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ኣብ ገዛ ኮይኖም ዝሕከሙ ሰባት ንበይኖም ሓደ ክፍሊ ተፈልዩሎም ክቕመጡ ከም ዘለዎም ምስ ካልኦት ሰባት ምትንኻፍ ክፈጥሩ ከም ዘይግባእን መምርሒ ኣተኣላልያ ሕሙማት ቫይረስኮሮና ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.