Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ዝውሰዱ ሓደሽቲ ስጉምቲታት ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ አሕመድ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምክልኻል ምስ ዝተጣየሸን ምስ ሚኒስቴር ኣቢያተ ዕዮ ዝተውፃእፀአን ኮሚቴ ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ክውውሰዱ ዝግበኦም ተወሰኽቲ መምርሒታትን ከምኡ እውን ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታትን ብዝምልከት ኢዮም ልዝብ ኣካይዶም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ 18 መጋቢት 2012 ዓ.ም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 16 ክብ ከምዝበለ፣ እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ከይላበድ ኣድላዪ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ምስርሑ ንምርግጋፅ መንግስቲ ፌዴራል ሰፊሕ ቅድመ ምድላው እናገበረ ከምዝርከብን ተገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ እዞም ዝስዕቡ ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ስጉምቲታት ዕላዊ ገይሮም።

ብመሰረት እዚ፦

1.ካብ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡን ኣብ ዝተዳለዉ ፈሊኻ መፅንሒ ሆቴላት ኣትዮም ንምፅናሕ ዓቕሚ ዘይብሎምን ተጓዝቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ተዘዋዊሮም ን15 መዓልቲታት ተፈሊዮም ንኽፀንሑ ዝወፅአ መምርሒ ተግባራዊ ክኸውን ኢዩ።

2. ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚረን ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓዊሱ ኩለን ኣቢያተ ትምህርቲ ንተወሰኽቲ ክልተ ሰሙናት ተዓፂየን ከምዝፀንሓ።

3. በገበያ ስፍራዎች እና በሀይማኖት ተቋማት ውስጥ ማኅበራዊ ርቀትን መጠበቅ በጥብቅ ተፈጻሚ ሊደረጉ ያስፈልጋል፡፡ ኣብ ውሽጢ ዕዳጋን ትካላት ሃይማኖትን ርሕቐት ሓሊኻ ምንቅስቓስ ብጥብቂ ተግባራዊ ንኽግበሩ። መንግስቲ ፌዴራል ዝኸፍአ ብሄራዊ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ንኽቋረፁ ናይ ምግባር ሕገ-መንግስታዊ መሰል ከምዘለዎን እዚ ቅድሚ ምዃኑ ግን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ርሕቐቱ ክሕሉ ከምዝግባእ።

4. እቲ ኹነታት ተወሳኺ ሓገዝ ዝሓትት እንተኾይኑ ኩሎም ብጡረታ ዝወፅኡን ኣብ ትምህርቲ ዝርከቡን ሰብ ሞያ ሕክምና ንሃገራዊ ልኡኽቶ ንክዳለዉ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም።

5. ዝተፈላለየ መጠንን ዓይነትን ዘለዎም መገልገሊታት ዝሓዙ ልዕሊ 134 ትካላት ንፈሊኻ መከታተሊ፣ ፈሊኻ መፅንሒን ንግልጋሎት ሕክምናን ክኾኑ ተፈለዮም ኢዮም። ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ዜጋታት ከም ዓራት፣ ፍርናሻት፣ ኣንሶላታት፣ ቬንትሌተራት መተንፈሲን ካልኦት ኣቑሑትን ኣብ ምትእኽኻብ ንዝርከብ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣተኣኻኻቢ ሓገዝ ድጋፉ ንኽገብር ብመንግስቲ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

6. ንኡስ ኮሚቴ ማክሮ ኢኮኖሚ ድሕንነት ዓውዲ ኢኮኖሚ ንምሕላው ዘኽእሉ ኣማራፂታት ንምሕንፃፅ ምስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዘፈራት ዝተዋፈሩ ዓበይቲ መዳርግቲ ኣካላት ኢንዱስትሪ ዘተ እናገበረ ፀኒሑ ኢዩ። ነዙይ ስዒቡ ድማ፥ ዘፈር ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ እዞም ዝስዕቡ ስጉምቲታት ተፈፀምቲ ክኾኑ ኢዮም፦
ንመከላኸሊ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ዘድሊዩ እታወታት ኣቑሑት ብናፃ ቀረፅ ንኸኣትዉ ክግበር ኢዩ።

ዘፈር ፋይናንስ ሚዛኑ ሓሊዩ ንኽቕፅልን ባንኪታት ብኮቪድ-19 ንዝተጎድኡ ዓማዊሎም ግዚያዊ ልቓሕ እፎይታን ተወሳኺ ልቓሕ መሃብ ክኽእሉን፤ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ብር 15 ቢሊየን ንባንኪታት ውልቀ ክህብ ኢዩ።

ሸርፊ ወፃኢ ዘድሊዮምን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝሕግዙን ኣቑሑትን እታወታትን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዘእትዉ ኣምፃእቲ ባንኪታት ኣቐዲሞም ንኸተኣናግዱዎም ከምዝግበር።
ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ፋይናንስ ፍት ንፊት ምርኻብን ንኽክእ ገንዘብ ንምንካይን፥ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብሞባይል ኣቢሉ ዝግበር ምምሕልላፍ ክፍሊት ገንዘብ ግልጋሎቱ ክብ ከብሎ ኢዩ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ኣብ ዝቐርብ ዕምበባ ኣንቢሩዎ ዝነበረ ትሑት መጠን መሸጢ ዋጋ ንግዚኡ ንኸልዕል ተገይሩ ኣሎ።

ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ስዒቡ ክፍጠር ዝኽእል ሕፅረት ሸቐጣትን ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋን ንምቁፅፃር ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.