Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ንምጥንኻር ብቑርፀኝነት ከምዝሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ንምጥንኻር ብቑርፀኝነት ከምዝሰርሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ ቤልጂጌ ገሊፆም።

ኣይተ ተስፋዬ፥ ኣብ ዝሓለፉ 5 ‘ማውቲ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝተሰርሑ ስራሕቲ በዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 50 ዓመታት ዝፀንሑ ሕቶታት ማዕርነት፣ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ዴሞክራሲን ምላሽ ንምሃብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብሪሆም።

ሕቶታት ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ቋንቋ፣ ባህልን ማንነትን ኣብቶም ዝሓለፉ 5 ዓማውቲ ምላሽ ንምሃብ ዝተገበሩ ተግባራት ዘርዚሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ዕላዊ ንምግባር መንግስቲ በስፍሓት ሰሪሑ ኢሎም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ንምጥንኻር ብቑርፀኝነት ከምዝሰርሕ ኣይተ ተስፋዬ ቤልጂጌ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.