Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ፌዴራል 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ገይሩ-ቤት ፅሕፈት ቀ/ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ካብ ካልኦት ጉዳያት ብምቕዳም 1 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ከምገበረ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብቲ ክልል ን3 ነጥቢ 8 ሚሊየን ተረባሕቲ ዘቕርቦ ደገፍ ምግቢ ናብ 780 ሺሕን 534 ኩንታል ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ምግቢ ተንከፍ ንዘይኮኑ ጉዳያት 80 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበረ እውን ኣብቲ መግለፂ ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ 31 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ኣብቲ ክልል ጉድኣት ንዝበፅሖም መስመራት መስተ ማይ ንምስትኽኻል ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓውዲ ጥዕና እውን 20 ሆስፒታላትን 71 ትካላት ጥዕናን ናብ ስራሕ ብምእታው ሰፊሕ ስራሕ ይስርሑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ንሃንደበታዊ ሕክምና ካብ ዝቐረቡ ተሽከርከርቲን ኮምፒተራትን ብተወሳኺ ብ199 ሚሊየን ብር ናውቲ ሕክምና ከምዝቐረበ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል 96 ሚሊየን ብር በጀት ብምሓዝ ናውቲ ምምሃር ፅገናታት ብምግባርን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተዘሪቡ።

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.