Fana: At a Speed of Life!

መኸተና ንኩለመዳያዊ ዓወታትና – መንግስትን ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ “መኸተና ንኩለመዳያዊ ዓወታትና” ክኸውን ይግባእ ክብል ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ኣብ መልእኽቱ፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምካት ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ብፍላይ ድማ ብመንግስቲ ትግራይ ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንምትግባር ዘርኣዮ ተወፋይነት ንኢዱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ዝተወሰኑ ካብ ሸለልትነትን ተስፋ ምቑራፅን ዝብገሱ ምዝንጋዓት እናተረኣዩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ብሓደ ኢድና ቫይረስ ኮሮና፣ ብኻሊእ ወገን ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢቲ ዕፅፊ ኮይኑ ክመፅእዩ ዝበሃል ዘሎ ዕስለ በረኻ ኣንበጣን ባርኖስ ኣሜሪካን ፣ ከምኡ እውን ካልኦት ተፃብኦታት ብምምካት ንኩለመዳያዊ ዓወት ክኸዉንከምዝግባእ ኣብቲ መልእኽቲ ተገሊፁ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
==============================================
መኸተና ንኩለመዳያዊ ዓወታትና!

ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ ኣብ ገፀር ዝነብር ህዝብና፣ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምምካት፣ ብፍላይ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምትግባር ዘርአዮ ተወፋይነት ዝነኣድ እዩ፡፡ ከም ኣብነት ድሕሪ በዓል ትንሳኤ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ መርዓን ካልኦት ዓበይቲ ማሕበራዊ ጉዳያትን፣ ህዝብን በቢከባቢኡ ዘለዉ ኣባላት ኣመራርሓን ብዝገበርዎ ምርድዳእ ከይተፀንበለ ተሪፉ እዩ፡፡ እዙይ ብጣዕሚ ፅቡቕ ተግባር፣ ኮሮና ቫይረስ ንምኽልኻል ጥራሕ ዘይኮነስ ብኽነት ኣብ ምቅናስ እዉን ኣዎንታዊ ግደ ዝነበሮ ብምዃኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ፡፡

መናእሰይ ትግራይ እውን ኮሮና ቫይረስ ንምምካት፣ ብፍላይ ኣብ መጀመሪያ እዋን ፅቡቓት ተበግሶታትን ፈጠራታትን ሚሂዞም ተግባራዊ ገይሮም እዮም፡፡ እዞም ፈጠራታት ትካላዊ ቁመና ዝሕዝሉን ግቡእ ኣመራርሓ ዝረኽቡሉ ኩነታት እንተተፈጢሩ፣ ትግራይና ማእኸል ፈጠራን ቴክኖሎጂን፣ ንምግባር ዘሎ ራኢ ከም መበገሲ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ፡፡

ይኹን ዳኣ እምበር ዋላ እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኣወንታዊ ጉዳያት እንተሃለዉ፣ ካብ ሸለልትነት፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንዝማዕበላ ሃገራት ዘሸገረ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፣ ንሕና እንታይ ክንገብሮ ዝብል ማለት እውን፣ ዳርጋ ነቲ ሕማም ኢድ ምሃብ ዝመስሉ ኣረኣእያታትን ዝንባለታትን ይንፀባረቑ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ብቐንዱ ኣብ ከተማታት ኣብ ዝነብር ህዝብናን ኣብ ቤት ዕዮታትን ዘሎ ዕሽሽ ምባል፣ ኣቐዲሙ ዝጎድእ ነቲ ሜላታት ምኽልኻልን ምኽሪ ሓኻይምን፣ ከምኡ ዉን ኣዋጅ መንግስቲ ዘየኽብር ሕድ ሕድ ሰብን ስድራን እዩ፡፡ ቀፂሉ ድማ ትግራይና ኣደዳ ሕማም ምግባር እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ትግራይና ኮሮና ቫይረስ ምምካት ዘኽእል ወርቂ ተሞክሮ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ካብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ጀሚሩ ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ 29 ዓመታት ብንፁር ብምቕማጥ ተግባራዊ ገይራ ውፅኢት ዘመዝገበትሉ፣ ምክልኻል ማእኸል ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ኣለዋ፡፡ ትካል ጥዕና ዓለም እውን ኣብዚ እዋን ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ተግባራዊ ዝገብሮ ዘሎ ሜላታት ምክልኻል፣ ትግራይ ምስ እትኽተሎ ጥዕና ፖሊሲ ምክልኻል ተመሳሳሊ እዩ፡፡

ብምዃኑ ክሳብ 27 ጉንበት 2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብደረጃ ሃገር ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ 1636 ወገናት እንትኾኑ፣ ብሞት ዝተፈለዩ ድማ ቁፅሮም 18 በፂሑ ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይና ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝተገበረሎም 3105 ሰባት፣ ድማ እቶም 56 እቲ ሕማም ተረኺብዎም ኣሎ፡፡ ካብዚኦም ክሳብ ሎሚ ሓንቲ መንእሰይ ሓፍትና ህይወታ ሲኢና ኣላ፡፡ 47 ወገናት ድማ ኣብ መወሸቢ ኣለው፡፡ እዚይ ንሕድሕድና ከተሓሳስበና ይግባእ፡፡ እቲ ጉዳይ ቑፅሪ ግዳያትን ሞትን ውሒዱ ዶ በዚሑ ኣይኮነን፡፡ ኣብዚ ሳዕቤን እቲ ሕማም ኣብቲ ዘለናሉ ንኡስ መድረኽ፣ ኣጋጢምና ንዘሎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ማለት፣ ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ፣ ናብ ሓደጋ ዘእትዎ ኩነታት ተዛሚዱ ክረአ ኣለዎ፡፡

ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኢድ ንኢድ ተታሓይዙ ንኮረና ቫይረስ ሓዊሱ ንኩሎም ፀገማት ኣብ ዝምክተሉ እዋን፣ ብሓይልታት ትምክሕቲ ዝምራሕ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ዘዋፊሮም ባንዳታትን ዑስባትን፣ ኣብ ኩለን ከባብታት ትግራይ ተዋፊሮም፣ በብቁሸትን ጣብይኡን፣ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጉህሚ ክፈጥራ ይኽእላ እየን ዝበልዎን ነገራት ማለት፣ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ዝተረኣያ ከም መንገዲ ምዕፃውን ካልኦት ሕቶታትን እናምበልበሉ ዝሰጠመ ሓድነትን ሰላምን ህዝቢ ትግራይ ክዘርጉ፣ ይንቀሳቀሱ ኣለዉ፡፡

ኣብዚ ህዝብና ብቃልሱ ዘረጋገፆ፣ ብሰላማዊን ሕጋዊን ኣገባብ ሕቶታት፣ ናብ መንግስቲ ከቕርብ ይኽእል እዩ፡፡ እንተኾነ ብስርዓት ኣልቦ ሰልፊ፣ መንገዲ ምዕፃው፣ ንብረት ምብልሻው ወዘተ ግን ፈፂሙ ተቐባልነት የብሉን፡፡ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅን ምኽባርን ሓላፍነት ዘለዎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ግቡእ እዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተርኣያ ዘይሕጋውን ብስምዒትን መንገዲ ምዕፃው፣ ጌጋ ምዃኑ ህዝብና ምቅባሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ክንደየናይ ለባም መስተዉዐሊ ምዃኑ፣ ትግራይና እውን ዓዲ ሕጊ ምዃና ብምርግጋፅ፣ ነቶም ዓይኖም ኣንቂሖም ኣፎም ከፊቶም ደም ንምፍሳስ ይፅበዩ ዝነበሩ ፀረ ህዝብን፣ ፀረ ሰላም ሓይልታት እውን ናብ ዕግርግር ኣይኣቱን ኢሉ ሕልሞም ስለ ዝፈሸሎም በዚ ኣጋጣሚ ምስግና እናገለፅና፣ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዘሎ ህዝብና በብደረጅኡ ብዘሎ ብቤት ምኽሪ ዝተወሰነ ውሳነ ከኽብሮ ይግባእ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ሰናይ ምምሕዳር ብምንጋስ ተገልገልቲ ንምዕጋብ ዓሚ ኣብ ጣብያታት ዝጀመሮ ፅቡቅ ስራሕቲ ሎሚ ዘበን እውን ከም ብሓዱሽ ዝተወደባ 94 ወረዳታት ትግራይ ናብ ጭቡጥ ተግባር ዘእቱ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ናይ ኣመራርሓ መረፃ ተወዲኡ፣ ናይ ሲቪል ሰርቫንት ምደባታት ንምስላጥ ኣድላይ ዘበሉ ምድላዋት ይግበር ኣሎ፡፡ ኣብዚ መብዛሓቲኡ ኣመራርሓን ስቪል ሰርቫንትን፣ ብሓፈሻ ናብ ዝተመደቦ ሕድሕድ ወረዳ፣ ኸይዱ ንምስራሕ ዘርኣዮ ውፍይነትን ተበግስኡን ክምስገን ይግባእ፣ ጥራሕ ከይኮነስ ሕድሪ ኩሎም ስውኣት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ ተረካቢ ሕድሪ ምኳኑ ስለ ዘረጋገፀ፣ ህዝብን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን በዚ ዘሐብን ተግባር ክብሪ ይስምዖም፡፡

ኣብ መወዳእታ ብሓደ ኢድና ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚኢቲ ዕፅፊ ኮይኑ ክመፅእዩ ዝበሃል ዘሎ ዕስለ በረኻ ኣንበጣ፣ ባርኖስ ኣሜሪካን እናመከትና በቲ ኻልእ ድማ ናብ ደልሃመት ከእትወና ድቃስ ሲኢኑ ዘሎ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ተቖፃፂሩ ዘሎ ሓይሊ እናበጣጠስና፣ ሕድሕድ ኣመራርሓን፣ ስቪል ሰርቫንትን፣ ከምኡ እውን፣ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትን፣ ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑ ደቂ ትግራይን፣ ብዉሑዱ ኣብ ወርሒ ሰነ ግድን ክውገኑ ዘለዎም ዓበይቲ ተግባራት ለቒሞም ብምሓዝ ተረባሪቦም ከላእሞዎምን ይግባእ፡፡ ብድማር “ሕዚ ውን መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ”! ኣብ ዝብል መሪሕ ቃል ዓሲልና፣ መኸተና ንኩለመዳያዊ ዓወት ከምዝኸዉን፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንፃት ዉን ፈፂሙ ኣይጠራጠርን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

መቐለ፡ 28 ጉንበት 2012 ዓ/ም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.