Fana: At a Speed of Life!

መኸተ ቫይረስ ኮሮና ናይ ሓደ እዋን ወፍሪ ተገይሩ ክርአ የብሉን – ግብረ ሓይሊ ምክልካል ቫይረስ ኮሮና ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መኸተ ቫይረስ ኮሮና ናይ ሓደ እዋን ወፍሪ ተገይሩ ክርአ ከምዘይግባእ ንኡስ ኮሚቴ ግብረ ሓይሊ ምክልካል ቫይረስ ኮሮና ክልል ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን እናተጥሓሰ ከምዝርከብን መንግስቲ እቲ ድንጋገ ኣብ ዘየኽብሩ ኣካላት ስጉምቲ ከምዝወስድን ድማ እቲ ግብረ ሓይሊ ሎሚ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ናይ ሓደ እዋን ወፍሪ ገይሩ ይሪኦ ኣሎ ዝበለ እቲ ንኡስ ኮሚቴ፥ ብዘስግእ ኩነታትን እቲ ቫይረስ ዳርጋ ዝጠፍአ ብዝመስልን ሸለልትነት ብዝተመልኦ መገዲ፤ ኣብ እንዳ መስተ፣ ኣብያተ እምነት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ብስፍሓት እናተኣከበን ነቲ ለበዳ ብዘጋድድ መልክዑ እናተንቀሳቀሰን ከም ዝርከብ ገሊፁ።

ቫይረስ ኮሮና ክሳብ ሕዚ ናብ ትግራይ ዘይኣተወ ዋላ ይኹን እምበር ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ስለዝተርኣየ፥ ሕብረተሰብ ግቡእ ጥንቃቐ ንተዘይገይሩን በቲ ሕዚ ሕብረተሰብ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ እንተቐፂሉ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ካብቲ ለበዳ ንምውፃእ ቤትምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘውፅኦ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ተግባራዊ ክግበር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቡ።

“እቲ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ምትግባርን ዘይምትግባርን ዝቆፃፀሮ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕብረተሰብ ባዕሉ ኢዩ” ዝበለ እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ስግኣት ጥዕና ዓለም ምዃኑ ፈሊጡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝውፀኦም መምርሕታት ተግባራዊ ክግበሩ ኣለዎም አሉ።

እዚ እዋን ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን ብምዃኑ፥ ሕብረተሰብ ዝተኣወጀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ተግባራዊ እንተዘይገይርዎ መንግስቲ ናይ ባዕሉ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ክብል እቲ ንኡስ ኮሚቴ ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.