Fana: At a Speed of Life!

መወዳእታ ወፍሪ ህልውና ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ፈተና ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይኸውን ምግባር ኢዩ- እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መወዳእታ ወፍሪ ህልውና ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ፈተና ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይኸውን ምግባር ከምዝኾ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሎሚ መዓልቲ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝለኣኾ ሙሉእ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

መወዳእታ ወፍሪ ህልውና ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ፈተና ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይኸውን ምግባር ኢዩ- እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሓበራዊ ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ብዘካይዱዎ “ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ናብ ዝተወረሩ ከባቢታት ብዕምቆት ብምእታው፣ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዕጥቁ፣ ስንቁን ሓይሉን ከምኡ እውን ዝዘረፎ ንብረት ሒዙ ከይወፅእ እናገበረ ይርከብ፡፡ ኢድ ንመሃብ ፍቓደኛ ዘይኮነ እውን እናደምሰሶ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ኣብ ግምባር ሸዋ ወረዳ ወቅት፣ ከተማታት ለምለም ኣምባ፣ ጀውሓ፣ ሰንበቴ፣ ኣጣየን ካራ ቆሬን ከባቢኦምን ካብቲ ወራሪ ሓይሊ ናፃ ወፂን ኢየን፡፡ ብግምባር ጋሸና ድማ ኮንን ዳውንትን ሙሉእ ብሙሉእ ካብቲ ግብረ ራዕዲ ናፃ ኮይነን፡፡ ኣብ ግምባር ወረ ኢሉ ከተማ ልጓማ ናፃ ወፂኣ። ኣብ ዝተወረሩ ከባቢታት ሓበራዊ ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ  ብዘካየዱዎ ኦፕሬሽን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓይሊታት እቲ ግብረ ራዕዲ ኢዶም እናሃቡ ይርከቡ።

ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን እቲ ከባቢ፣ ናብ ዋሻታት ዝኣተወ ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ኢዱ ብሰላም ንኽህብ እናገበርኩምዎ ትርከቡ ፃዕሪ ኣጠናኺርኩም ንኽቅፅሉ መንግስቲ የተሓሳስብ፡፡ ሕብረተሰብ እውን በቢከባቢኡ ዝተበተነ ሓይሊ ህወሓት ተወዲቡ ብምምራኽ፣ ነብሲወከፍ መሳረሒ ንኽዕጠቕ፣ ናይ ጉጅለን ካልኦት መሳርሒታትን ድማ ንኣካላት ፀፅታ ንኸረክብ ዳግም ፃውዒት ቀሪቡሉ ኣሎ፡፡ ሙሩኻት ምክንኻን ናይ ጅግንነት ባህልና ሓደ ኣካል ብምዃኑ ሕብረተሰብ ሙሩኻት ንኣካላት ፀፅታ ንኸረክብ መንግስቲ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናተሰዓረ ስለዝኾነ ኣብ ግምባር ዝሰኣኖ ዓወት ብናይ ሕሶት ሓበሬታ ንምሽፋን ይፅዕር ኣሎ፡፡ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብርቱዕ ቅልፅም ደቂ ኢትዮጵያ ምፅዋር ኣቢዩዎ እንትበታተን፣ ኣመራርሓታት እቲ ግብረ ራዕዲ ከምዝተሰዓሩ ንዘይምእማንን መናእሰይ ውፅኢት ሕዚ እውን ናብ ዘይብሉ ኲናት ንምእታው ብምሐሳብን ስልታዊ ምንስብ ገይርና ብምባል ንባዕሉን ንተስፈኛታት ተገናሕቱን እናፅናዕነዐ ይርከብ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ንወራር ዝኣት ሓይሊታቱ ዘድሕነሉ ዓቕሚ የብሉን፡፡ ናብ ዝተወረሩ ከባቢታት ዝኣተወ ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ኩሎም መውፅኢ በርታት ተዓፂዮምዎ ኢዮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ወራሪ ሓይሊ ብኸንቱ ዘሰለፈኩም መናእሰይ ድሕሪ ሕዚ መምለጢ ከምዘይብልኩም ተገንዚብኩም፣ ኢድኩም ንኣካላት ፀፅታ ብመሃብ፣ ንባዕልኹም ክተድሕኑ መንግስቲ የተሓሳስብ፡፡

ብክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ናፃ ዘይወፅኡ ከባቢታት ብዝተማልአ መልክዑ ናፃ ንምውፃእ እናተቃለሰ ይርከብ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኩልና ተራባሪብና ነቲ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ዳግም ፈተና ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይኸውን ምግባር ትፅቢት ይግበረልና፡፡ ነዚ ድማ ሓይሊ ምክልኻልና ብሓይሊ ሰብ፣ ብኣወዳድባን ዓቕሚ ዕጥቂን ኣጠናኺና ብዝኾነ ይኹ ወገን ዝሕፈርን ዝኽበርን ሓይሊ መከላኸሊ ክንሃንፅ ይግባእ፡፡ መከላኸሊ ሓይሊና ብዝሐሸ መገዲ ተጠናኺሩ ክቕፅ ይግባእ፡፡ ማእሰይ እውን ብበዝን ብዓይነትን ናብቲ ሰራዊት ብምፅምባር ሃገሮም ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝኾነ ይኹን ዘይትድፈር ንኽገብሩ ታሪኻዊ ሓደራ ኣለዎም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንናብራ ደቂ ሰባትን ሰብኣዊ መሰላትን ዘይጭነቕ፣ ፀረ ዕቤትን ስልጣነን ዝኾነ እኩይ ሓይሊ ከምዝኾ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ብጋህዲ ኣርኢዩ ኢዩ፡፡ ማሕበራዊ ትካላት ኣፍሪሱን ኣዕኒዩን፣ ንብረት ውልቀ ሰባት ዘሪፉን ኣጥፊኡን፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ ረሺኑ፣ ደቂ ኣንስትዮ ደፊሩን ኣብ ንዕሊ ሃፃናት ዘስካሕኽ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣብ ልዕሊ ሰባት ተፈፂሙ ዘይፈልጥ ከቢድ ገበን ፈጢሙ ኢዩ፡፡ ነዚ ኢዩ ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣይውክልን ንብል፡፡ ስለዝኾነ ድማ ተግባር ጥፍኣት እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝቃለሱ ኩሎም ክኹንኑዎ ይግባእ፡፡ ንዓና ንኢትዮጵያውያን መወዳእታ እቲ ወፍሪ ህልውና ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ፈተና ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይኸውን ምግባር ኢዩ፤ ነዚ ድማ ሕብረተሰብ ዝጀመሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ክሳብ መወዳእታ ኣጠናኺሩ ክቕፅ ይግባእ፡፡

ዓወትና ነኽብሮ ብዝተሓባበረ ቅልፅምና ኢዩ፡፡

እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.