Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ መዕበዪ ዓቕሚ ኣፍረይቲ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢንተርፕራይዝን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያ ተፍርይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ መዕበዪ ዓቕሚ ኣፍረይቲ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢንተርፕራይዝን ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ብዕሊ ዘጀመራ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ አዳነች አቤቤ፥ መብዛሕትኦም ዜጋታት ኣብ  መፍረይቲ ዕድመ ስለዝርከቡ ተሓባቢርና ብምስራሕ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ምዕባለ ምዕባለ ክንበፅሕ ኢና ኢለን።

ምዕባለ ብዘይ ኣድካሚ ስራሕቲን ፃዕሪን ክዕወት ኣይኽእልን ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ኣብ ከተማታት ሃገርና ንደለይቲ ስራሕ ዝኾኑ ኣማራፂታት ንምምችቻው ስራሕቲ ከተማታት ምጥንኻርን ዝተወደበ ሓገዝ ኢንዱስትሪን ምውሃብን ቀንዲ ኣጀንዳና ኢዩ ኢለን።

ነዚ አወን ናብራ ዜጋታት ምምሕያሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከብ ንምባልን ዘኽእሉ ፖሊሲታት ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተየ ሓቢረን።

ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢንተርፕራይዝንን ምክትል ከንቲባን ኣይተ ጃንጥራር አባይ ብግደኦም፥ ኣብታ ከተማ ካብ ዝተትሓዙ ትልሚታት  “ኢትዮጵያ ተፍርይ” ዝብል ሓሳብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ሎሚ ዝተሳተጠ መድረኽ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዉ 10 ሽሕን 500 ቁፅሪ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት  ናብ 22 ሽሕ ንምዕባይ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.