Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ምንቕናቕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን 2012 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ምንቕናቕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን 2012  ላዕለዎት ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን፣ ሰብ ሞያ ሕርሻ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መኾኒ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ዓ/ም “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንመርኣያ ልምዓትናን ፅንዓትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፥ ኣብ ሕርሻ ዓብይ ለዉጢ ክመፅእ እንተኾይኑ መበገሲና ወፊሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ጌርና ንሰርሖም ሰራሕቲ ምዃኖም ክንርዳእ ይግበእ ኢሎም።

ነዚ ብምርዳእ ትኹረት ጌርካ ኣብ ምስራሕ ዘለዉ እወንታዊ ሰራሕቲ ብምዕቃብ፥ እቶም ክፍተታት ድማ ብዝግባእ ተገምጊሞም ናብ ስራሕ ዝእተወሉ ክኸውን ከምዘለዎ ድማ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.