Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያታት ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ – ጀርመን ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽልተ መዓልቲታት እናተካየደ ዝፀንሐ ሓበራ መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያታት ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ጀርመንን ተዛዚሙ።

ክሊቲኦም ወገናት ኣብ ወርሒ ሰነ 2011 ዓ.ም ብመሰረት ኣብ በርሊን ዝተፈራረሙዎ ስምምዕነት ሓበራ ኮሚሽንን ድሌት ክልቲአን ሃገራት መሰረት ዝገበሩ ሓደሽቲ ዓውዲታት ሰምምዕነት ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባን ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ወፃኢን ድሕንነትን፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራ ልምዓት፣ ኣብ ዝውውር ሰባት፣ ኣብ ቀረብ ሓይሊን ምውዛዕ ለውጢ ኣየርን ብዝምልከት ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ መድረኻትን ዝገብረኦ ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ኣድሂቦም ብዕምቆት ብምዝታይን ኣብ ዝተዳለወ ቃለ ጉባኤ ብምፍርራምን ዛዚሞም።

ብዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣውሮፓ ኣይተ ምሕረተኣብ ሙሉጌታ ዝተመርሐ ልኡኽ ብወገን ኢትዮጵያ ምስታፉ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.