Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ቅልጣፈ ኣዳማ ኣዋሽ ንግዲ ወፃኢን ኣታዊን ንምስላጥ ወሳኒ ግደ ኣለዎ- ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ቅልጣፈ ኣዳማ ኣዋሽ ንግዲ ወፃኢን ኣታዊን ንምስላጥ ወሳኒ ግደ ኣለዎ ክብሉ  ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

በዚ ድማ እቲ መገዲ ኣብ ምዕባለ ኢኮኖሚ ሃገርና ቁልፊ ግደ ከምዘለዎ ኢዮም ገሊፆም።

ብፍላይ ኮሪደር ኢትዮ ጂቡቲ 70 ሚኢታዊ ወፃኢን ኣታውን እዛ ሃገር ዝንቀሳቐሰሉ ብምዃኑ ደረጃ መገዲታት ምምሕያሽ ንኹለ መዳይ ለውጥን ምዕባለን ዘይትካእ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ድኽነትን ድሕረትን ታሪክ ዝኾነሉ ርሑቕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት እናዛዘምና ሪቫን ክንቆርፅ ኢና ኢሎም።

ኣዳማ ኣዋሽ መገዲ ቅልጣፈ 130 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን እንትኸውን፥ ሎሚ ዝተጀመረ ምዕራፍ 60 ኪ.ሜ ዝሽፍን ኢዩ።

እቲ ልዕሊ 6 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ዝሓትት መገዲ ወፃኢኡ ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብልቓሕ ከምዝሽፈን ተገሊፁ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.