Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መገደኛታቱን ሰራሕተኛታት በረርኡን ብዓለም ለኸ መለክዒ ጥንቃቐ ቫይረስ ኮሮና ብምግባር ናብ ቻይና በረርኡ እናካየደ ምዃኑ ገሊፁ

አዲስ አበባ፣ ጥር 21፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መገደኛታቱን ሰራሕተኛታት በረራን ዓለም ለኸ መለክዒ ብዝሓለወ መልክዑ ሓለዋን ጥንቃቐን ቫይረስ ኮሮናን ብምግባር ናብ ቻይና ዝገብሮ በረራ እናቐፀለ ምዃኑ ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ መገዲ ኣየር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ብምትሕብባር፤ ብመሰረት ማሕበር ዓለም ለኸ መገዲ ኣየርን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዘቐመጡዎ መለክዒ ተጓዓዝቲን ሰራሕተኛታት በረራን ካብቲ ቫይረስ ንምሕላው ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ፥ ቅድሚ ሕዚ እናካየዶ ከምዝፀንሖ ብፍላይ ኣብ እዋን ሓዱሽ ዓመት ቻይናውያን ናብ ሓሙሽቲአን ከተማታት ቻይና ማለት እውን ናብ ቤጂንግ፣ ሻንጋይ፣ ጉኧንዡ፣ ቼንጉን ሆንግ ኮንግን ዝገብሮ በረራ ከምዝቐፀለ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣፍሊጦም።

ቻይና ቀዳሚት ተበፃሒት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምዃና ዝገለፁ ኣይተ ተወልደ፥ ነታ ሃገር ንዘሓለፉ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት ብትራንስፖርት ኣየር ምስ መላእ ሃገራት ኣፍሪካ እናራኸባ ምፅንሑ ኣብሪሆም።

ኣይተ ተወልደ መንግስቲን ህዝቢን ቻይና እናገብሩዎ ዝፀንሑ ዘይተሓለለ ሓገዝ ብምምስጋን፥ እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጎኒ ቻይናውያን ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ቫይረስ ኮሮና ካብ 21 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝተወለዐ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ምዃኑ ይፍለጥ።

እአቲ ለበዳ ሕማም ናብ መላእ ዓለም እናተዛመተ እንትኸውን፥ ክሳብ ሕዚ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ 8 ሺሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.