Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓርባዕተ ዓውዲታት ሽልማት ብሉፅ ስካይትራክስ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓርባዕተ ዓውዲታት ሽልማት ብሉፅ ስካይትራክስ 2021 ከምዝተዓወተ ተገሊፁ።

አየር መንገዱ እ.አ.አ የ2021 የአፍሪካ ምርጥ አየር መንገድ ሽልማትን ጨምሮ ለ4 ተከታታይ ዓመታት ነው የተቀዳጀው

እቲ መገዲ ኣየር፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣፍሪካ ሽልማት ሓዊሱ ብሉፅ ክፍሊ ቢዝነስ ሽልማት፣ ብሉፅ ክፍሊ ቁጠባዊ ሃፍቲን ብሉፅ ሰራሕተኛታት በረራ ኣፍሪካ ሽልማት ከምዝተዓወተ ተገሊፁ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝተዓወተሎም ሽልማታት ተደጋጋሚ ሽልማት ክወስድ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

ብብርኪ ዓለም መረፃ ዓማዊል መገዲ ኣየር 2021 ሸውዓተ ደረጃታት ብምምሕያሽ ካብ 100 ብሉፃት መገዲ ኣየራት ዓለም መበል 37 ደረጃ ሒዙ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.