Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ነፃ ክልል ኣየር ጁብቲ በረራ ኣየር ባሕሪ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ነፃ ክልል ኣየር ጁብቲ በረራ ፅዕነት ኣየር ባሕሪ ከምዘጀመረ ኣፍሊጡ።

ካብ ወደባት ጅቡቲ ተበጊሱ ናብ ናይጀሪያ ሌጎስ ከተማ ዝበርርን 17 ቶን ኤሌክትሮኒክስን ናውቲ ገዛን ዝፀዓነ ቀዳማይ ኦፕሬሽን ፅዕነት ኣየር ባሕሪ ሎሚ ተጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣቦ መንበር በዓል መዚ ወደባትን ናፃ ዞባን እታ ሃገር አቡበከር ኦማድ ሃዲ፣ ተወካሊ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ኣይተ ቢኒያም ኤፍሬም ኣብ ሰንሰለት ኣቕርቦት በረራ ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኣገልግሎት ፅዕነት እቲ መገዲ ኣየር ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኣገልግሎት ፅዕነቱ ብዕፅፊ ከምዘዕብዮ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ንጅቡቲ ማእኸል ሎጂስቲክስ ኣገልግሎት ፅዕነት ከምዝገብራ ተሓቢሩ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.