Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 10 ብሉፃት መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ቀዳማይ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 10 ብሉፃት ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ሕዚ እውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ።

ከም ፀብፃብ ኣፍሪካ ሎጂስቲክስ ዶት ኮም እንተኾይኑ፥ እቲ መገዲ ኣየር ብዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎ መሪሕነት ቀፂሉ ኣሎ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ብበዝሒ ተጓዓዝቲ፣ ተበፃሕነትን እቶትን ካብ መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መገዲ ኣየር፥ ብብርኪ ዓለም ድማ ራብዓይ ብሉፅን ዝዓበየን መገዲ ኣየር ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ኣመላኺቱ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2019 ንልዕሊ 13 ነጥቢ 3 ሚሊየን ተጓዓዝቲ ግልጋሎት ከምዝሃበ ተገሊፁ።

ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀፂሎም ድማ መገዲ ኣየራት ግብፂ (ኢጅፕት ኤርላይንስ)፣ ሞሮኮ፣ አልጀሪያ፣ መቐመጢኡ ደቡብ ኣፍሪካ ዝገበረ መገዲ ኣየር ኮሜር፣ መገዲ ኣየራት ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ቱኒዚያ፣ ከምኡ እውን መቐመጢኦም ደቡብ ኣፍሪካ ዝገበሩ መገዲ ኣየራት ውልቀ ማንጎን ፍሊሳፍን ብሉፃት መገዲ ኣየራት እታ ኣህጉር ተባሂሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.