Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወርሓዊ ወፃኢኡ ብምሽፋን ንሃገራዊ ኢኮኖሚ ሓገዝ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 120 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ወርሓዊ ወፃኢኡ ብምሽፋን ንሃገራዊ ኢኮኖሚ ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም ኣፍሊጦም።

እቲ መገዲ ኣየር ቀልጢፉ ናብ ኣገልግሎት ካርጎ ምእታዉ ውፅኢታዊ ክኸውን ኣኽኢሉዎ ኢዩ ኢሎም።

ኮቪድ- 19 ብብርኪ ዓለም ዝፈጠሮ ፅዕንቶ  ኣብቲ መገዲ ኣየር  እውን ተመሳሳሊ ጉድኣት ከምዘብፀሐ ዝሓበሩ ኣይተ ተወልደ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዙሓት መገዲታት ኣየር ዝተፈላለያ ሃገራት ንድጎማ ኣብ ዝተቓልዕሉ እዋን ወርሓዊ ወፃኢኡ ብምሽፋን ንሃገራዊ ኢኮኖሚ ሓገዝ ክገብር ክኢሉ ኣሎ ኢሎም።

ነዚ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ንዝግበር ምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝኸውን ናውቲ ኣብ ምክፍፋል ተመራፂት ሃገር ምዃናን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዕምበባ ኣብ ምጉዕዓዝ ተመራፂ መገዲ ኣየር ብምዃኑን ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ እቲ መገዲ ኣየር መዓልታዊ ካብ 200 ክሳብ 300 ቶን ዕምበባ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምጉዕዓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፍሪያት ዕምበባ ሸርፊ ወፃኢ ንከምፅእን ኣብ ምምዕባል ኢኮኖሚ ናይ ባዕሉ ሓገዝ ክገብርን ኣኽኢሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ፆመ ረመዳን ስጋ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብምጉዕዓዝ እቶት ክርከብ ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.