Fana: At a Speed of Life!

መፅሓፍ “መገዲ ምድማር” ሎሚ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መፅሓፍ “መገዲ ምድማር” ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ መፅሓፍ ፈለግ ለውጢን ምድማር ዝሓለፎ መገዲን ናብ ድሕሪትን ቅድሚትን እናተመላለሰ ከምዝድህስስ ተዛሪቦም።

ብዙሕ ዓቐብን ቁልቁለትን ሓሊፉ ኣብዚ ብርኪ ዝበፅሐ ለውጢ ዝወለዱ ኣተሓሳስባታት እንታይ ከምዝኾኑ፣ ካብ ጅማርኡ ኣትሒዙ ጉዕዞ ሪፎርም እንታይ ከምዝመስል፣ ኣብ ከይዲ ዘጋጠመ እወንታዊን ፈታኒን ኣጋጣሚታት ከምኡውን ጎናዊ ታሪካት ከምዝሓዘ ተዛሪቦም።

ብብዙሕ ጉዳያት ዝሓሸ ገንዛበ ክህብ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም።

እቲ መፅሓፍ ንምስንዳእ ልዕሊ 2 ዓመት ከምዝወሰደ ብምግላፅ፥ ዝተጀመረሉ እዋን ካብቲ ቅድመ ሐዚ ዝወፅአ መፅሓፍ ከምዝቕድም ተዛሪቦም።

እቲ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ፅባሕ ኣብ ዕዳጋ ከምዝውዕል ድማ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.