Fana: At a Speed of Life!

መፍረይቲ ትካላት ዘጋጥሙዎም ፀገም ቀረብ ሓይሊ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣገግሎት  ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ መፍረይቲ ትካላት ዘጋጥሙዎም ፀገም ቀረብ ሓይሊ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ ተካ ገብረየሱስ፥ ቅድም ሕዚ ኣብ ትካላት መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ካብ ዝለዓሉ ቀንዲ ፀገማት ሓደ ሕፅረትን ምቁርራፅን ቀረብን ሓይሊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ፀገማት መብዛሕተኦም መፍረይቲ ትካላት ብሙሉእ ዓቕሞም ከየፍርዩ ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕነት ፀገም እቲ ዘፈር ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዓቢዩ ኣማራፂ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ክልቲአን ትካላት ብምውዳድ ንኽሰርሓ ዘኽእል ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

መካየዲ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሽፈራው ተሊላ ብግደኦም፥ እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ካብ ብሕርሻ ዝምራሕ ብኢንዱስትሪ ናብ ዝምራሕ ትገብሮ ስግግር ኢኮኖሚ ንምቅልጣፍ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.