Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ሓለፍቲ ኮሚሽነራት ኣመሓደርቲ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልላት ተዛትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ምስ ሓለፍቲ ኮሚሽነራት ኣመሓደርቲ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልላት ምዝታዩ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ ኣብ ማንዋል መፈፀሚ ዘይሻራዊ ጉጅለ ኣማኻሪን ፕሮግራም ብሄራዊ ገባሪ ሰናይ ኣገልግሎት ማሕበረሰብን ዘድሃበ ምዃኑ ተግሊፁ።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል፥ ዘይሻራዊ ጉጅለ ኣማኻሪ ካብ ህዝቢ ውሽጢ ብድለቴ ዝምረፁ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ፖሊስ ብዙሕነትን ድሌትን ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረን ገበን ኣቐዲሙ  ኣብ ምክልኻል ውፅኢታዊ ግልጋሎት ምሃብ ንኽኽእልን፥ ዘለዎም ልምዲን ፍልጠትን ንፖሊስ ብምምኻር ዝሰርሑ ናፃን ዘይሻራዊን ውዳበ ማሕበረሰብ ምዃኑ ኣብሪሀን፥

እቲ ውዳበ ናብ ተግባር እንተኣቱ፥ ገበን ቀድሚ ምፍፃሙ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእል ጭቡጥ ሓበሬታ ብምእካብ ናይ መፍትሒ ኣንፈት ዘቕምጥ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ብትወሳኺ ድማ ኣብ ሞንጎ ህዝቢን ፖሊስን ምትእምማን ንምፍጣር ዘኽእልን በዓል ዋናነት ሕብረተሰብን ሓላፍነት ፖሊስን ክብ ንምባል ዝሕግዝ ከምዝኾነ ወይዘሮ ሙፈርያት ገሊፀን።

ፕሮግራም ብሄራዊ ገባሪ ሰናይ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ተግባራዊ ንምግባር፥ ንመዳርግቲ ኣካላት መዕበዪ ግንዛበ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ካልኦት ብዙሓት ስራሕቲ ምስረሖም ተሓቢሩ።

ቀንዲ ናይቲ ፕግራም ኣካል ዝኾኑን ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሌጃትን ተመሪቖም ስራሕ እናኣለሹ ዝርከቡን መናእሰይ እናተመዝገቡ ምዃኖም ተገሊፁ።

ይኹን እምበር፥ ብምኽንያት ሕፅረት ሓበሬታ ኣብ ሓደ ሓደ ወረዳታት ብዝተደለየ ልክዕ ምዝገባ ምክያድ ከምዘይተኽአለን ክልላት ልውውጥ ሓበሬታ ብምግባር ከይዲ ምዝገባ ንኸሳልጡ ኣንፈት ከምዝተውሃበን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.