Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሰላም ዘዳለዎ ሕብረተሰባዊ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ዘዳለዎ ሕብረተሰባዊ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ኣለማየሁ እጅጉ፥ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ለውጢ ምክንኻንን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምብፃሕን ናይ ኩሉ ሰብ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኢዩ ኢሎም።

እቲ መድረኽ ግደ ኣመራርሓ ዴሞክራሲያውን ሓጋዝን ኣብ ምግባር፣ መሰረታዊ ከይዲ መዋቕራዊ ገፅታን ኣፈፃፅማን ለውጢ ዘሎ ግንዘበ ኣብ ምምዕባልን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ መድረኽ ዘተ እንትኸውን፥ ኣብ ኣተሓሳስባን ብልሒ ስምዒትን ዘድሃበ ስልጠና፣ ፖሊሲ ሰላም፣ ብሄራዊ ቅርፂ ልዝብን ከይዲን ብዝምልከት መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብምቕራብ ዘተ ክግበር ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ክልልት፣ ምምሕዳራት ከተማን ዝመፅኡ ኣመራርሓታት ይሳተፈፉ ኣለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.