Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትምህርት ክልተ ኣቢያተ ትምህርቲ ውልቀ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ትምህርት ክልተ ኣቢያተ ትምህርቲ ውልቀ ንእዋኑ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

እገዳ ዝተመሓላለፈለን ኣቢያተ ትምህርቲ ድማ ቤት ትምህርቲ ሓድነት ኢንተርናሽናልን ቤት ትምህርቲ ማሕበረሰብ ሄሌኒክ-ግሪክን ከምዝኾና ተገሊፁ።

እተን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተኣገዳሉ ቀንዲ ምኽንያት፥ ምእታው ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ተኸቲሉ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዘውፅኦ መምርሒ ክፍሊት ተመሓላሊፎም ስለዝተረኸቡ ኢዩ ተባሂሉ።

ኮሚቴ ወለዲ ተደጋጋሚ ስምዕታ ብምቕራቦም ዝተመሓላለፈ እገዳ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እተን ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚረን ሚኒስቴር ትምህርቲ ዘውፀኦ መምርሒ ምስ ኮሚቴ ወለዲ ብምዝርራብ ቀልጢፈን ፀብፃብ ክሳብ ዘቕርባ ዝኾነ ዓይነት ስራሕቲ ትምህርቲ ከይሰርሓ ከምዝተኣገዳ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.