Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብር 10 ሚሊየንን ዝተፈላለዩ ኣቑሑትን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ትራንስፖርት፥ ኣብ መንግስቲ ክልል ትግራይ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መገዲን ትራንስፖርትን ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሱ ንኽምለስ ብር 10 ሚሊየን ገንዘብን ዝተፈላለዩ ኣቑሑትን ሓገዝ ምግባሩ ገሊፁ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብ ዘፈር ትራንስፖርት ካብ ፌዴራል ንክልላት ብውክልና ዝተውሃቡ ተግባራት ሓዊሱ ኣብ ዘፈር ትራንስፖርት ስሩዕ መንግስታዊ ስራሕቲ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ናብ ስራሕ ምእታው ንኽከኣል ብር 10 ሚሊየንን ዝተፈላለዩ ኣቑሑት መገልገሊ ስራሕን ሓገዝ ከምዝተገበረ ኢቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ግላጋሎት ዘፈር ትራንስፖርት ናብ ዝተጠናኸረ ስራሕ ንኸኣቱ ብመንፅር መሪሕ ትልሚ ልምዓት ሃገራዊ ዘፈር ትራንስፖርት እቲ ቢሮ ብግቡእ ንኽዋፃእ ከምዝሕግዝ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መገዲን ትራንስፖርትን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሉላ ሃብተኣብ ኣብ እዋን እቲ ርኽክብ ከምዝበሉዎ፥ ሚኒስቴር ትርንስፖርት ፀገም እቲ ዓውዲ ብቕልጡፍ ንምፍታሕን ኣብ ትኽክለኛ እዋን ሓገዝ ገይሩ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ፀገም ብምግንዛብ ስራሕቲ ንምጅማር ኣድለይቲ ዝኾኑ ኣቑሑትን ገንዘባዊ ሓገዝን ምግባሩ ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.