Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ንግዲ ኣብ እዋናዊ እታወት ዘይቲ ዘለዉ ፀገማት ኣድሂቡ ምስ ኣፍረይቲን ኣምፃእቲን ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዘለዉ ኣካላት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ንግዲ ኣብ እዋናዊ እታወት ዘይቲ ዘለዉ ፀገማት ኣድሂቡ ምስ ኣፍረይቲን ኣምፃእቲን ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዘለዉ ኣካላት ተዛቲዩ።

ካብ 2002 ዓ.ም ጀሚሩ ዋጋ ዘይቲ ኣብ ዕዳጋ ብተኸታታሊ ናይ ምውሳኽ ዝንባለ የርኢ እምበር፥ ካብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘሎ እዋን ግን ብምኽንያት ስሱዓት ነጋዶ ናህሪ ዕዳጋ ዘይቲ ኣዚዩ ከምዝወሰኸ ይግለፅ፡፡

መንግስቲ እቲ ፀገም ንምፅዋር ብበጀት ብምዱጓ ንዝተመረፁ ኣምፃእቲ ዋጋ ንምቕራብ ፈተነ ከምዝተገበረ ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን እሸቴ ኣሰፋ ገሊፆ፡፡

ለበዳ ኮቢድ-19 ስዒቡ ካብ ቀረፅ ናፃ ዝኾነ ፈሳሲ ሰይቲ ንኸኣቱ ይገበር እምበር፤ ልዑል ትርፊ ምእካብ ብዝደሊዩ ነጋዶ ምኅንያት ህዝቢ ቅሬታ እናቕረበ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ዘይሕጋዊ ዕድጊትን መብዛሕተኦም ኣምፃእቲን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ስለዝኾኑ ንምቁፅፃርን ምክትታልን ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ፡፡

ስራሕቲ ቁፅፅር ዝሕግዝ ማዕቐፍ መሸጢ ዋጋ ምቕማጥን ካብዚ ሓሊፎም ዝተረኸቡ ድማ ፍቓድ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ መቕፃዕቲ ምንባርን ድማ ከም መፍትሒ ተቐሚጡ፡፡

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፈሳሲ ዘይቲ አፍርዩ ኣካላት ሕፅረት እታወት ዘይቲ ከምዘሎ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ዘይቲ ካብ ወፃኢ ዘምፅኡ ኣምፃእቲ ድማ ኣብ ጂቡቲ ዋጋ ዘይቲ ምውሳኹ ከም ምኽንያት ኣልዒሎም፡፡

ብፈቲያ ዓብደላ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.