Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ሚኢቲ መዓልቲታት ልዕለ 108 ቢሊየን ብር ንምእካብ ከምዝሃቀነ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር እቶት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልቲታት ንምስራሕ ዝተትሓዙ ትልሚታት ብምዝታይ ኣንፈታት ኣቐሚቱ፡፡

ብመሰረት እዚ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ሚኢቲ መዓልቲታት 108 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ንምእካብ ዝሃቀነ እንትኸውን፥ እቲ ትልሚ ንምዕዋት እውን ብስርዓት ሰራርሓ፣ ኣመራርሓ ልህቀት ተገዛኣይነት ሕጊ፣ ስትራቴጂያዊ ልህቀት ምሕዝነት፣ ኣብ ቀፃሊ ዘሎ ዓቕሚ ትካላዊ ልምዓትን ኣብ ዘላቒ ልምዓት ዕቤትን ዝስርሑ ስራሕቲ ዓሚቕ ልዝብ ተኻይዱ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ስርዓት ኣሰራርሓ ኣብ ታክስ ውሽጢ ሃገር ንዝቐርቡ ቅሬታታት ዝወሃቡ ምላሻት ናብ 85 ሚኢታዊን ኣብ ጉዳያት ጉምሩክ ዝቐርቡ ቅሬታታት ዝወሃቡ ምላሻት ናብ 87 ሚኢታዊ ንምዕባይ ከምዝተሃቀነ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ሓሙሽተ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ብኢ-ታክስ ዘፍልጢ ከፈልቲ ግብሪ ብፅሒቶም ናብ 100 ሚነኢታዊ ንምብፃሕን ዕግበት ተገልገልቲ ታክስ ውሽጢ ዓዲ ናብ 78 ሚኢታዊ ንምምሕያሽ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡

1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ዝግመት ስራሕቲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኮንትሮባንድ ወፃኢን ኣታዊን ንምስላጥ ከምዝተሓሰበ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.