Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ለካቲት ብር 19 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር እቶት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም ብር 19 ነጥቢ 4 ቢሊየን ምእካቡ ኣፍሊጡ።

እቲ እቶት ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ዝተኣከበ ምዃኑ እውን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብር 20 ነጥቢ 4 ቢሊየን ንምእካብ ተሊሙ ብር 19 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብምእካብ ናይ ትልሙ 95 ሚኢታዊ ከዕውት ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

ኣብ መጀመርታ እዋን ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብር 248 ቢሊየን ንምእካብ ሃቂኑ ከምዝነበረ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ ይኹን እምበር ኣብ ቀረባ እዋን ንሃገር በቀል ኢኮኖሚ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ብር 20 ቢሊየን ንምእካብ ሓላፊነት ከምወሰደ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብር 270 ቢሊየን ኣታዊ ንምእካብ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ።

ከሀገር በቀል ኢኮኖሚ እቅድ በፊት በየካቲት ወር 18 ነጥብ 8 ቢሊየን ብር ለመቀሰብሰብ አቅዶ የነበረ ሲሆን የእቅዱን በመቶ በመቶ ማሳካቱን ተጠቁሟል።

ቅድሚ ትልሚ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኣብ ወርሒ ለካት ብር 18 ነጥቢ 8 ቢሊየን ንምእካብ ተሊሙ ሚኢቲ ሚኢታዊ ናይ ትልሙ ከዕውት ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ለካቲት ጥራሕ ንሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝኸውን ብር 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ኣታዊ ክእክብ ከምዝኸኣለ ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.