Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ገንዘብን ባንኪ ዓለም ስምምዕነት ሓገዝ 300 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ባንክ ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ንምጥያሽ ዝውዕል 300 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ምስ ሚኒስቴር ገንዘብ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራ ኦስማን ዲዮን ፈሪሞምዎ።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ቤኒንሻንጉል ጉዝን ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ምጥያሽን መትከሊ እግሪን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝተመረፁ ጉድኣት ዝበፅሖም ወረዳታት ምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓታት ጥዕና፣ ትምህርን ማይን ኢሉ እውን ንፆታዊ ጥቕዓት ዝተቓለዓ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝን መሊስካ ንምጥያሽን ከምዝውዕል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.