Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና መንግስቲ ካብ ባንኪ ኤግዚም ብዝተገበረ ስምምዕነት ቀሊል ልቓሕ ዝተገዝኡ ናውቲታት ሕክምና ተረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሚኒስቴር ጥዕና መንግስቲ ኢትዮጵያ መስ ባንኪ ኤግዚም ብዝገበሮ ብዝተናውሐ እዋን ዝኽፈል ስምምዕነት ቀሊል ልቓሕ 30 ሚሊየን ዶላር ዝተገዝኡ ናውቲታት ሕክምና ከምዝተረከበ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እቶም ናውቲታት ሕክምና ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ነምቁፅፃርን ይግበር ንዘሎ ፃዕሪ ዝሕግዙ ኢዮም ኢለን።

እቶም ብልቓሕ ዝተረኸቡ መሳርሒታት፥ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና፣ ነምትንፋስ ደገፍ ዝገብሩ መሳርሒታትን ካልኦት ብፅኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ሕክምና ንምሃብ ዘገልግሉ ናውቲታትን ኢዮም።

መንግስቲ ኮሪያ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንዝገበሮ ዘሎ ፃዕሪ እተን ሚኒስትር አመስጊነን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.