Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ እንተረጋግፀልና ትምህርቲ ክንጅምር ኢና – ሚኒሰስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ እንተረጋግፀልና ትምህርቲ ክንጅምር ኢና ክብሉ ሚኒሰስቴር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር፥ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ዝርከበሉ ደረጃ ተገምጊሙ ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ኩነታት ምህላዉ ሚኒስትር ጥዕና መረጋገፂ እንትህብን መንግስቲ ውሳነ እንተመሓላልፍን ትምህርቲ ከምዝጅመር ተዛሪቦም።

ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ኮይኖም ዝርከቡ ህፃናት ብዝለዓለ ብርኪ እናተጎድኡ ስለዝኾኑ ነዓኣቶም ቀዳምነት ከምዝወሃብ ኢዮም ዝሓበሩ።

መፅናዕቲታት ከምዝሕብሩዎ እንተኾይኑ፥ ንሽዱሸተ ወርሒ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝረሓቑ ህፃናት ብቕድሚኡ ንኽልተ ዓመታት ዘኣክል ሒዞምዎ ዝነበሩ ፍልጠት ከስእኖም ከምዝኽእል ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ቀዳምነት ንህፃናት ንመሃብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ እቶም ሚኒስትር ትምህርቲ ገሊፆም።

ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመላኽቶ ህፃናት ብቫይረስኮሮና ናይ ምትሓዝን ምምሕልላፍን ዕድሎም ካብ ካልኦት ሰባት ዝተሓተ ስለዝኾነ፥ እቲ ትካል ዘቐምጦም መከላኸሊ መገዲታት እቲ ቫይረስ ሙሉእ ብሙሉእ ብምትግባር ትምህርቲ ንምጅማር ፃዕሪ ከምዝግበር ዶክተር ጌታሁን ኣገንዚቦም።

ኣብ ኣከፋፍታ ቤት ትምህርቲ ብዝምልከት ድማ እቲ ቫይረስ ብልዑል ብርኪ ኣብ ዝተስፋሕፈሐለን ከም ኣዲስ ኣበባ ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ብሰለስተ ፈረቓ ንምጅማር ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ ኢሎም።

ካብ ዓበይቲ ከተማታት ርሒቖም ዝርከቡን ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ስግኣት ኣብ ዘይኮነለን ከባቢታት ድማ መከላኸሊ መገዲታት ቫይረስኮሮና ብምትግባርትምህርቲ ከምዝጅመር ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.