Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ 19 ምድጋሱ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ 19 ምድጋሱ ገሊፁ።

እቲ ለበዳ ቀኒሱ ዝነበረ እንተኾነ እውን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ይውስኽ ከምዘሎን 70 ሰባት ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ሕሙማን ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ማሕበረሰብ እቲ ቫይረስ ከምዝጠፍአ ተገይሩ ይውሰድ ምህላዉ ኢዩ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ እቲ ለበዳ ብበርኪ ሃገር ንኽደግስ ምኽኒያት ከምዝኾነን ብማእኸላይ ልዕሊ 12 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ግቡእ ጥንቃቐን ስራሕቲ ምክልኻልን ኣዝዩ ኣድላዪ ከምዘኾነ ተገንዚቡ ካብ ምዝንጋዕ ክጥንቀቕ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.