Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ገንዘብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ቀጠናዊ ምትሕብባርን ስራሕቲ ከባቢያዊ ልምዓትን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ገንዘብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ቀጠናዊ ምትሕብባርን ስራሕቲ ከባቢያዊ ልምዓትን ተዛቲዮም።

ሚኒስቴር ገንዘብ ከምዝበሎ፥ እቲ ዘተ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘጋጥሙ ዘለዉ ፈተናታት ጉዳያት ኢኮኖሚ ብፍላይ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልቅላው ኢኮኖሚን ኣምበጣን ኣብ ግብርናን ውሕስነት ምግብን ዘስዓቦ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ምፍታሕ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ዘድሃበ ኢዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ለበዳ ኮሮና ብፍላይ ትሑት እቶት ንዘለወን ሃገራት ኣፍሪካ ልዑል ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፅዕንቶ ከምዘብፀሐ ሓቢሮም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ሃገራት ብሰንኪ እቲ ለበዳ ዘብፀሖ ጉድኣት ዘለወን ልቓሕ ወፃኢ እወኑ ሓሊዩ ምኽፋል ዘይኽኣለንን እቲ ኩነታት ካብዚ ብዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልቅላው ንኸየጋጥም እተን ሃገራት ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ክታበት ኮቪድ 19 ብህፁፅ ምርካብን ኣብ ረብሓ ምውዓልን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.