Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ፓላንድን ቤሊጅየምን ንኣይተ ደመቀ መኮነን ናይ እንኳዕ ደስ በሎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓላንድ ዚቢግናዉ ራዬን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ቤሊጅየም ሶፊያ ዊልሚስን ንኣይተ ደመቀ መኮነን ናይ እንኳዕ ደስ በሎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ሶፊያ ዊልሚስ÷ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ብምዃን ብምሿሞም ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ “እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሕውነት ንምቕፃል ኣብ ዓለም ለኸ፣ ቀጣናዊን ከባቢያዊን ጉዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና” ኢለን።

ቤልጅየም ንኢትዮጵያ ኣብ ዘጋጠማ ኣፀጋሚ ኩነታት ሕውነታ ኣጠናኺራ ከምእተቐፅል ኣብ መልእኽተን ኣስፊረን።

ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓላንድ ዚቢግናዉ ራዬን፥ ፖላንድ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት እትገብሮ ርክብ ኢትዮጵያ ቀንዲ መሻገሪት ብምዃን ንቀርኒ ኣፍሪካ ማእኸል ፖለቲካ ብምዃና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ክብ ንምባል ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.