Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትርራት ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ኣድሂቦም ይዝትዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትርራት ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና /ኮቪድ-19/ ተሓጋጊዝካ ምክልኻልን ምላሽ ምሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ኣድሂቦም ይዝትዩ ኣለዉ።

እቲ ዘተ ብዛዓባ ኮቢድ ዝምለከቱ ሓደሽቲ መረዳእታታት ንምልውዋጥን እቲ ለበዳ ሕማም ብብርኪ ኣህጉር ተዋዲድካ ምክልኻልን ምላሽ ንመሃብን ዝተፀወዐ ህፁፅ ጉባኤ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቶም ሚኒስትራት፥ ኣብ ጉዳይ እቲ ለበዳ ሕማም ዝተዋደደ ኣህጉራዊ ምክልኻልን ስትራቴጂክ ምላሽ ኣብ ምሃብን ኣብ ስምምዓነት ከብፅሕ ዝኽእል ዘተ ካካይዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ትምህርቶም ኣብ ሃገረ ቻይና እናተኸታተሉ ዝርሀቡ ኣፍካውያን ተምሃሮን ዜጋታትን ናብ ሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ኣድሂቦም ከምዝዝትዩ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሕማም ዝግበሩ ዘለዉ ምርምራት መድሓኒት፣ ክትባትን እቲ ሕማም ንምክልኻልን ንቁፅፃርን እናተሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ፥ ልውውጥ ሓበሬታን ልምዲን ከምዝገብሩ እውን ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ካብ ጄነቭ ብቐጥታ ብቪዲዮ ከንፈረንስ ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፈቂ መሃማትን ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰን፥ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ምዃኖም ካብ ግዜኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.