Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶ/ር ስለሽ በቀለ ምስ ሱዳን መዘነኦም ፕሮፌሰር ያሲር ኣባስ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ስለሽ በቀለ ምስ ሱዳን መዘነኦም ፕሮፌሰር ያሲር ኣባስ ተዛቲዮም።

ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ዝተኻየደ እቲ ዘተ፥ ኣብ ምቕፃል ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ ድማ እቲ ዝሳለጥ ሰለስተኣዊ ድርድር ከምቢሓዱሽ ዝጅመረሉ፣ብዛዕባ ዝካየደሉ ስነ-ስርዓትን ግድቡ ዝምልከት ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያትን ክልቲአን ሃገራት ዘተኮረ ኢዩ።

ክልቲኦም ወገናት ክልተኣዊ ኣኼባታት ብሓፂር እዋን ብምዝዛም ብቕልጡፍ ሰለስተኣዊ ኣኼባ ንኽጅመር ንምምዕርራይ ምስምዕመዖም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክልቲኦም ሚኒስትራት፥ ምስ ጎድና ጎድኒ እቲ ድርድር ተተሓሒዘዞም ዘይተፈጥሑ ጉዳያት ዝምልከት ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.