Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይተ ለማ ምስ ሚኒስቴር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ምስ ሚኒስቴር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዢያን ባብቲስት ሌሞይን ተዛትዮም።

ብሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ላዕለዎት መኮንናት ኢትዮጵያ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ብቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት እናገበረ ይርከብ።

ትማሊ ድማ ኣይተ ለማ መገርሳ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዢያን ባብቲስት ሌሞይን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊ ዛዕባታት ኣድሂቦም ምዝታዮም ካብ ኤምባ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምምዕባል ከምዝተስማዕምዑ እውን ተገሊፁ።

እቲ ልኡኽ ፈረንሳይ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት፥ ምስ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ፕዚዳንት፣ ሚኒስትር ምክልኻል ፈረንሳይን ኢታማዦር ሹምን ፈረንሳይ ክዛተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲታት ሓይሊ ኣየርን ባሕሪን ዝወሃብ ስልጠና ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ወታደራዊ ኣቑሑት ብዝምልከት ዘለወን ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ንምዝታይ ዓሊሙ ዝግበር ዘሎ ዑደት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.