Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ምክልኻል ጣሊያን ኢትዮጵያውያን ብወታደራት ጣሊያን ኣብ ዝተጨፍጨፉሎም ከባቢታት ዑደት ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ጣሊያን ሎሬንዞ ጉኤሪኒ ብ12 ለካቲት 1929 ዓ.ም ኢትዮጵያውያን ብወታደራት ጣሊያን ኣብ ዝተጨፍጨፉሎም ከባቢታት ዑደት ከምዘካይዱ ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ፈለስቲ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ዝተፈፀመ ጭፍጨፋ ዘርኢ መፅሓፍ ብፓውሎ ቦርሶስ ተመሪቑ።

ኣብ እዋን ምረቓ እቲ መፅሓፍ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ እቶም ሚኒስትር፥ ሃገሮም ጣሊያን ዝተሳተፈትሎም ታሪኻዊ ፍፃመታት ሓላፍነት ኣለዋ ኢሎም።

ወታደራት ጣሊያን ጭፍጨፋ ኣብ ዝፈፀሙለን ከባቢታት ተረኺቦም ዑደት ከምዝገብሩ ዕላዊ ምግባሮም እውን ኣንሳ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ።

12 ለካቲት 1929 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኔፕልስ ጣሊያን ልእልቲ ምውላዳ ምክንያት ብምግባር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ገዛኢ ሃገር መንግስቲ ጣሊያን ዝነበረ ማርሻል ሮዶልፎ ግራዚያኒ ሓጎሱ ንምግላፅ ኣብ ናይ ቀደም ሽሙ ቤተ መንግስቲ ገነተ ልኡል እንግዶት ፀዊዑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ንመግዛእቲ ጣሊያን ዝተቓወሙ አብርሃም ደቦጭን ሞገስ ኣስገዶን ዝተብሃሉ ኢትዮጵያውያን ብዝሸንደዉዎ ቦምቢ ንግራዚያኒ ሓዊሱ ብዙሓት ሰበስልጣናት ጣሊያን ጉድኣት በፂሑዎም ኢዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብትእዛዝ ግራዚያኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ገዳም ደብረ ሊባኖስን ልዕሊ 30 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ከምዝተጨፍጨፉ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.