Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ተወከልቲ ውሕመን ዓለም ለኻዊ ትካል ግብረ ሰናይን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ)ን ዓለም ለኻዊ ትካል ግብረ ሰናይን ብቨርችዋል ዘተ ኣካይደን።

እተን ሚኒስትር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምክፍፋል ምግብን ምግቢ ተንከፍን ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።

መጠን እቲ ምክፍፋል ሓገዝ በቢእዋኑ እናወሰኸ ከምዝመፀ ኣብሪሀን።

ከምኡ ውን ኣብ ክልል ዝርከቡ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ህዝቢ ምግልጋል ይጅምሩ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ዐለኻዊ ትካላት ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር ውሱናት ግብረ ሰናይ ትካላት እቲ ሓቂ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብምግላፅ ኣብ ምርዳእ እኹል ስራሕ ይሰርሑ ከምዘየለዉ ገሊፀን።

እቶም ትካላት ነቲ ሓቂ ከየዛብዑ፣ ከይወሰኹን ከይቀነሱን ንክግለፁ ድማ ኣተሓሳሲበን።

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.