Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ክፍሊ ምትሕብባር ቴክኒክ ኣፍሪካ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ክፍሊ ምትሕብባር ቴክኒክ ኣፍሪካ ሹካት ዓብዱልራዛቕ ተዛትዮም።

ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጂ ኣቶሚክ ብሓባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲን ቀፀልቲ ተግባራትን ኣድሂቦም ተመያይጦም።

ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ኣብ ዓውዲ ኒውክሌር ዝሰርሕ እንትኸውን፥ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ሰላማዊ ኣጠቓቕማን ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ንዓለም ንምፍላጥ ዝሰርሕ ትካል ኢዩ።

ኢትዮጵያ፥ ኣብ ኦስትሪያ ቪዬና ኣብ ዝተሳለጠ መበል 63 ዓመታዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ “ተወሳኺ ፕሮቶኮል” ምፍራማ ካብ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.