Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊይ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝገበሮ ሓገዝ ብምንኣድ፤ ኢትዮጵያ ምስቲ ፕሮግራም ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከበሉ ኩነታትን ኢትዮጵያ ነቲ ለበዳ ሕማም ንምዕጋት ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስን ብዝምልከት እውን መብርሂ ገይሮም።

ኣይተ ገዱ ብተወሳኺ ዕስለ ኣምበጣ በረኻን ሓደጋ ውሕጅን ኣብ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ዘብፀሖ ዘሎ ጉድኣት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም ኢዮም።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ማንመ እዋን ንላዕሊ ልዑል ሓገዝ ምሕበረሰብ ዓለም ከምዘድሊዮ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ህንፅ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ፣ ሱድናን ግብፂን ዘለወን ኣፈላላይ ብምይይጥ ንኽፈትሓ ሓገዝ ንኽገብር እውን ሓቲቶም።

ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢስሊይ ብግደኦም፥ እቲ ፕሮግራም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ዴቪድ ቢስሊይ፥ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና፣ ዕስለ ኣምበጣ በረኻን ሓደጋ ውሕጅን ንምክልኻል ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ እውን ንኢዶም።

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ስግኣት ዓለም ስለዝኾን ናይ መላእ ዓለም ምትሕብባር ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓቢሮም።

ምስ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ሕዳሰ ተተሓሒዙ ድማ ሰለስቲአን ሃገራት ዘለወን ኣፈላላይ ብዘተ ክፈትሓ ኣለወን ዝብል እምነት ከመዘለዎም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.