Fana: At a Speed of Life!

ሚድያታት ትግራይ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣብ ዝጥሕሱ ኣካላት ብትኹረት ክሰርሓ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚድያታት ትግራይ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣብ ዝጥሕሱ ኣካላት ብትኹረት ክሰርሓ ከምዝግባእ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ዘፈር ኮሚንኬሽንን ሚድያን ገሊፁ።

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይን ኣተሓባባሪት እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊን ወይዘሮ ሊያ ካሳ ከምዝበልኦ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኩለን ሚድያታት ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብዘውፀኦ መምርሒ መሰረት ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ሽፋነን ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ሂበን ኢየን።

በዚ ድማ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ከስስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን መከላኸሊኡን ክፈልጥ ተገይሩ እዩ።

ብተወሳኺ ሚድያታት መርኣያ ክኾና ስለዘለወን ንቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል መናፅሂ ናውቲ ገዚኣን ሰራሕተኛታት ንኸተግብርዎ ከምዝገበራ ገሊፀን።

ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 800 ሰራሕተኛታት ሚድያ እቶም 134 ኣብ ገዝኦም ኾይኖም እናሰርሑ ምዃኖም እውን ወይዘሮ ሊያ ኣብሪሀን።

እተን ትካላት ሚዲያ፥ ነፍሰፁር ኣደታት፣መጥበውቲ፣ ሽማግለታትን ካልኦትን ዕረፍቲ ክገብሩ ከምዝፈቐዳ ገሊፀን።

ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ሙሉእ ሽፋን ከምዝተውሃቦ ዝገለፃ እተን መተሓባበሪት፥ ይኹን እምበር ሕዚ ውን ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣብ ዝጥቅዑ ኣካላት ሓቃዊ ሓበሬታ ብምሃብ ክምክታ ይግባእ ኢለን።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ድማ ሰብ ሃፍቲ፣ መናኣሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኢሉ ውን ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን ምኽልኻል ቫይረስ ኮሮና ዘሎ ምንቅስቓስ ክድህስሳ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ብፍላይ ኣብ ገለ ገለ መንግስታዊን ዘይመንግስቲዊን ኣካላት ዝረኣይ ዘሎ ጥሕሰት እቲ ኣዋጅ ከቃልዑ ይግባእ ኢለን።

መንግስቲ እቲ ድንጋገ ኣብ ዝጥሕሱ ኣካላት ብዝተጠናኸረ መንገዲ ስጉምቲ ከምዝወስድ ወዘሮ ሊያ ገሊፀን።

ብዮናታን ግዛቸው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.