Fana: At a Speed of Life!

ማልት ምስ ዓለምለኸ ሮታሪን ህዝብን ብምትሕብባር ኣብ ጣብያ ጥዕና ዕዳጋ ሓሙስ ብልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዘህነፅዎ ክፍሊ መጥባሕቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ዓለምለኸ ሮታሪ (ቤልጅየም) ግዝኣት ምዕራብ ቭላንድረን ዝተሃንፀ ክፍሊ መጥባሕቲ ሎሚ መዓልቲ ብድሙቕ ፅንብል ተመሪቑ።

እቲ ከፍሊ መጥባሕቲ 18 ሓምለ 2010 ዓ.ም ኢዩ ሰረት እምነ ኩርናዕ ተነቢሩሉ።

እቲ ንህንፀት 3 ሚሊየንን 386 ሺሕን 349 ብር ንናዉቲ ድማ 4 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ክፍሊ መጥባሕቲ ጣብያ ጥዕና ዕዳጋ ሓሙስ፥ ብነበር ሓላፊ ዓለምለኸ ሮታሪ ጨንፈር ዲ 1620 ጆሃን ዲ ሊዮው ዝተመርሐ 10 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ዓለምለኸ ሮታሪ (ቤልጂየም) ግዝኣት ቭላንዴሬን፣ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄርን ነበርቲ ዕዳጋ ሓሙስን ከባቢኣን ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ተመሪቑ።

ነቲ ክፍሊ መጥባሕቲ መሪቖም ዝኸፈቱ  ጆሃን ዲ ሊዮው ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ ህዝቢ ዕዳጋ ሓሙስን ከባቢኣን ኣብ ጎድኒ ዓለምለኸ ሮታሪ ክለብ ቤልጅየም ብምዃን እቲ ስራሕ ብዕዉት መገዲ ንክዛዘም ዘርኣዮ ፃዕሪ ንኢዶም።

ኣብ ቀፃሊ ንዝገብሩዎም መሰል ስራሕቲ ህዝቢ ጠንኪሩ ክሰርሕ ኣለዎ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ብግዲኦም፥ ማልት ካብ ትጣየሽ ጀሚሩ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ምስ መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ትካላት ብምትሕብባር 83 ዝኣኽላ ትካላት ጥዕና ብምህናፅ ንህዝቢ ከምዘረከበት ኣገንዚቦም።

ሐዚ ምስ ዓለምለኸ ሮታሪ (ቤልጅየም) ብምትሕብባር ተሃኒፁ ንህዝቢ ዝርከብ ዘሎ ክፍሊ መጥባሕቲ ድማ ንነበርቲ ዕዳጋ ሓሙስን ክልል ዓፋርን ግልጋሎት መጥባሕቲ ዝካየደሉ ብምዃኑ ኣብዚ ሰናይ ስራሕ ንዝተዋፈሩ ኣካላት ኩሎም ብሽም ዋና ቤት ፅሕፈት ማልትን ተጠቀምቲ ማሕበረሰብን አመስጊኖም።

ጣብያ ጥዕና ዕዳጋ ሓሙስ በብዓመቱ ካብ 1 ሺሕ ክሳብ 1 ሺሕን 165 ዝበፅሓ ኣዴታት ዝሓርሳሉ ኢዩ።

ብምኽኒያት መጥባሕቲ ናብ ዓዲግራት ይልኣኻ ዝነበራ ኣዴታት ንጥዕናዊ ፀገምን ፋይናንሳዊ ቅልዉላዉን ይሳጣሓ ምንባረን ዝሓበሩ ዳይሬክተር ጣብያ ጥዕና ዕዳጋ ሓሙስ ኣይተ መስፍን ኪዳነማርያም፥ ሐዚ ደረጅኡ ዝሓለወ ክፍሊ መጥባሕቲ ኣብ ጣብያ ጥዕና ክህነፅ ምኽኣሉ ቅድም ክብል ዝነበሩ ፀገማት ዝኣሊ እዩ ኢሎም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.