Fana: At a Speed of Life!

ማልት ምስ ገባሪ ሰናይ ሴፍ ላይፍ ቱ ላይፍ ብምትሕብባር ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ናውቲታት ሕክምና ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት) ምስ ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ ገባሪ ሰናይ “ሴፍ ላይፍ ቱ ላይፍ” (Safe Life to Life) ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ኲሓ ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ናውቲታት ሕክምና ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ሓንቲ ኣምፑላንስን ካልኦት 68 ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምናን ዘካተተ እንትኸውን፥ ብማሕበር ልምዓት ትግራይን ቢሮ ሓለዋ ጥዕናን ክልል ትግራይን ሎሚ መዓልቲ ርክክብ ተፈፂሙ፡፡

ዳይሮክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እታ ማሕበር ወ/ሮ መዓዛ ወ/ጊዮርግስ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርክክብ ከምዝበልኦ፥ እቲ ሓገዝ ብነፃ ቀረፅ ዝኣተወን ነቲ ትካል እውን ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ንምሃብ ዝሕግዞን ኢዩ።

ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕናን ክልል ትግራይ ኣማኻሪ ግልጋሎት ጥዕና ኣይተ ፍስሃ ሓጎስ ብግደኦም፥ እቲ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ንከተማ ኲሓ ንኣገልግሎት ሕክምና ክፍሊ ልቢ ዝውዕል ኢዩ ኢሎም።

ብምዃኑ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣካየዲት ስራሕ ሕክምና ልቢ ሴፍ ላይፍ ቱ ላይፍ ከተማ ኲሓ ወ/ሮ ደስታ ከበደ ብወገነን፥ እቲ ዝተገበረ ድጋፍ ኣመስጊነን።

ኣብ ከተማ መቐለ 264 ሕክምና ልቢ ኦፕሬሽን ዝገበሩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ እታ ኣምፑላንስ ንተሓከምቲ ልቢ ኣገልግሎት ከምእትውዕል ሓቢረን።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.