Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ንዘለዉ ተጎዳእቲ ማዕረ ትኹረት ክህብ ይግባእ- ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ንዘለዉ ተጎዳእቲ ማዕረ ትኹረት ክህብ ይግባእ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ ምስ ኣብ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፍልይቲ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴቴ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ሃገራዊን ቀጣናዊን ዛዕባታት ዘድሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ደመቀ ውሕመ ኣብቲ ቀጣና ሰላምን ልምዓትን ንክህሉ እተን ፍልይቲ ልኡኽ ዝገብርኡ ዘለዋ ፃዕሪ ንኢደን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ መንግስቲ ዝወሰኖ ውሳነታትን ተግባራትን ነተን ፍልይቲ ልኡኽ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.