Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዳግም ኲናት ዝገብሮ ምድላው ንከውግዝ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዓለም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዳግም ኲናት ዝገብሮ ምድላው ንከውግዝ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምስ ግዚኢ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ንሰላም ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ብተግባራዊ ስጉምታ እናርኣየት ከመዝኾነት ማሕበረሰብ ዓለም ነክግንዘቦ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ምጥያሹ፣ ሰብኣዊ ዕላማ ዘለዎ ደው ምባል ተዂሲ ከምዝተገበረ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንክኣቲ ብመንግስቲ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብኣብነት ረቚሖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.