Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዝተዓደጉ ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብልዕሊ ብር 3 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዝተዓደጉ ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪታ።

እቲ ሓገዝ፥ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ጨንፈር ጀርመንን ብምትሕብባር ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዝተዳለወ እዩ።

እቶም ናውቲ ሕክምና 150 ዓራት፣ 44 ፍርናሽ፣ 15 መቐመጢ ኣቑሑት ተሓከምቲ ሳንዱቕ ፣ ሸሞንተ ክራንችን 3 ዊልቸይርን ብድምር 223 ናውቲታት እዮም።

እቶም ናውቲ ሎምዓንቲ ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ተረኪቦም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ብር 98 ሚልዮን ናውቲ ሕክምና ከምዘድልዩ ተሊማ ካብ እትሰርሖም ዘላ ብክፋል ዝተገብረ ሓገዝ ምዃኑ ተጠባባቒ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ሙሉእ ወፃኢኡ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ዝተሸፈነ ኮይኑ፥ ንመጓዓዓዚኡ ድማ ብዋና ቤት ፅሕፈት ብማሕር ልምዓት ትግራይ 340 ሽሕ ወፃኢ ከምዝተገበረ ኣይተ ተስፋይ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ፥ እቲ ናውቲ ብፍላይ ምስ ምክልኻል ሕማም ቫይረስ ኮሮና ናይ ዓራት ፀገም ከምዝፈትሕ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ከም ህዝቢ እውን ናይ ባዕሉ ብፅሒት ዝዋፃእ ዘሎ ምዃኑ መርኣያ እዩ ዝበሉ ዶክተር ሓጎስ፥ ካልኦት ውልቀ ሰባትን ትካላትን በቢዘለውዎ ኾይኖም ንምክልኻል ሕማም ቫይረስ ኮሮና ሓገዞም ንኸበርክቱ ፀዊዖም።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.