Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 212 ሚሊየን ብር ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 212 ሚሊየን ብር ከቲሞም።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ዋና ፀሐፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጌታቸው ታዓን ሓላፉ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኒኮላስ ቮን ኣርክስ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ከባቢታት ብፍላይ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያን ቤንሻንጉል-ጉሙዝን ሰብኣዊ ደገፍ ብዝተወደበ መገዲ ተበፃሒ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኣብ በጀት ዓመት 2023 ዓ.ም.ፈ 212 ሚሊየንን 493 ሺሕን ብር ብጥረ ገንዘብ፣ 44 ሚሊየን ብር ብዓይነት ነቲ ማሕበር ደገፍ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ብኲናት፣ ድርቅን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ደገፍ ንምግባር ተሓባቢሮም ከምዝሰርሑ ምግላፁ ካብቲ ማሕበር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.