Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይ መስቀለ ኢትዮጵያ 100 ሺሕ ክታበት ኮቪድ-19 ካብ ቀይሕ መስቀል ቻይና ክርከብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይ መስቀለ ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ መስቀል ቻይና ዝተበርከተሉ ሓገዝ 100 ሺሕ ክታበት ኮቪድ-19  ክርከብ ኢዩ።

እቲ ማሕበር ዝተገበረሉ ሓገዝ ድማ ብሚኒስቴር ጥዕና ኣቢሉ ናብ ሕብረተሰብ ንኽባፃሕ ንሚኒስቴር ጥዕና ከምዘረክብ ተሓቢሩ፡፡

ማሕበር ቀይ መስቀለ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ዝተፈላለዩ ናውቲ መከላኸሊ ኮቪድ፣ ንዝተፀገሙ ወገናት ዝኸውን ኣፋውስ፣ ንዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ዝኾኑ ጋዎናት፣ ናይ ኢድ ጓቲታት፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብሓፈሻ ናብ 30 ሚሊየን ብር ዝፅጋዕ ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ንሚኒስቴር ጥዕናን ሚኒስቴር ትምህርቲን ኣረኪቡ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

እቲ ለበዳ ቫይረስ ጉድኣት ንዘብፀሐሎም ክፋላት ሕበረተሰብ ብዓይነትን ጥረ ገንዘብን ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ካብቲ ማሕበሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.