Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ኣብረርቲ ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብር 1 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም እታወታት ሕክምና ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣብረርቲ ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንሓፈሻዊ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ብር ሓደ ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም እታወታት ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ካፒቴን በረከት ኣባተ፥ 400 ክዳውንቲ መጥባሕቲ ሕክምናን ፕላስቲክ ቡትስ ጫማታትን፣ ኣይፓድን ላፕቶፓትን ሓዊሱ ካልኦት እታወታት ሕክምና ንዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ያሬድ ኣግደው ኣረኪቦም።

ካፒቴን በረከት፥ ፓይለታት ፈላሞት ተቐበልቲ ፅዕነቶ ብምዃ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከይጉዳእ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ኣቑሑት ሕክምና ናብ መላእ ሃገር ብምክፍፋል እውን ኣብ ትርፊ ሰዓተም እንተይቀረየ ብምስራሕ ብሞየኦም እናገልገሉ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ማሕበር ካብኦም ንላዕሊ ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ ኮይኖም እናገልገሉ ንዝርከቡ ሰብ ሞያታት ሕክምና “ክንድግፍ ኣለና” ብምባል ሓገዝ ንምግባር ከምዝተለዓዓሉ እውን እቶም ኣቦ መንበር ተዛሪቦም።

ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ያሬድ ብግደኦም፥ እቲ ማሕበር ዝገበሮ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ዶክተር ያሬድ እቲ ሕማም ብዝተስፋሕፈሐ ቁፅሪ ሰብ ሞያታት ሕክምና ክጥቀሙዎም ዝምከሩ ክዳውንቲ ለውጢ እናተገበረን ጥቡቕ ንኽኸውን እናተገበረ ብምምፅኡን ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ ዓቕሚ ዘለዎም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ማሕበራት ተመሳሳሊ ሓገዝ ንኽገብሩ ፀዊዖም።

ካብ ዝጣየሽ 50 ዓመታት ዘቑፀረ ማሕበር ኣብረርቲ ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሓላፍነታት ወሲዱ እናሰርሐ ዝፀንሐን እናሰርሐ ዝርከብን ማሕበር ኢዩ።

ብኣክሱማዊት ገብረህይወት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.