Fana: At a Speed of Life!

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሽዱሽት ዓመት ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርሴናል ብኖቲንግሃም ፎረስት ምስዓራ ስዒቡ ማንቸስተር ሲቲ ገና ሰለስተ ፀወታታት ተሪፍዋ እንከሎ’ያ ቻምፕዮን ምዃን ኣረጋጊፃ ኢያ።

በዚ ድማ፥ ኣብ ሽዱሽት ዓመት ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ብምዃን ሽማ ኣበሪኻ ኣላ።

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ 2021፣ 2022 ዓ.ም.ፈ ዋንጫ ፕሪሜር ሊግ ከም ዝወሰደት ዝዝከር’ዩ።

ትማሊ ኖቲንግማን ፎረስት ኣብ ልዕሊ ኣርሴናል ዘመዝገበቶ ዓወት፥ ማንቸስተር ሲቲ ቻምፕዮን ምዃና፣ ኣርሴናል ካልኣይቲ ኰይና ውድድራ ከምእትዛዝምን ኖቲንግሃም ፎረስት ናብ ድሕሪት ከም ዘይትምለስን ኣረጋጊፁ።

ማንቸስተር ሲቲ ትማሊ ተዓዋቲት ፕሪሜርሊግ ምዃና ድሕሪ ምርግጋፃ፥ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 2006-07፣ 2007-08፣ 2008-09 ኣከታቲላ ዋንጫ ድሕሪ ምውሳዳ ማንቸስተር ሲቲ’ውን ነዚ ክብሪ እዚ ተጎናፂፋቶ ኣላ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሓደ ዓመት ንዋንጫ ፕሪሜርሊግ፣ ቻምፕዮንስ ሊግን ኤፍኤካፕን ብምዕዋት ኣብ ሓደ ዓመት ንሰለስቲኡ ዋናጫ ኣብ ዝወነነት እንኰ ጋንታ ዝብል ክብሪ ሒዛ ከምእትርከብ ይፍለጥ ከምፀብፃብ ቢቡሲ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.