Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ ምሸት ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኣርሰናል ከካይደኦ ዝነበራ ፀወታ ፕሜር ሊግ እንግሊዝ ብምኽንያት ስግኣት ቫይረስ ኮሮና ንኻሊእ ግዘ ተናዊሑ።

እቲ ፀወታ ንኻሊእ እዋን ክናዋሕ ዝኸኣለሉ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት፥ ወናኒ ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኦሎምፒያኮስን ኖቲንግሃም ፎረስትን ኢቫንጄሎስ ማሪናኪስ ብዝተገበረሎም ምርመራ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ምርግጋፁ ስዒቡ ኢዩ።

ጋንታ ኦሎምፒያኮስ ድማ ኣብ ፀወታ ዩሮፓ ሊግ ምስ ኣርሰናል ኣብ ስታዲየም ኢሚሬትስ ተፃዊታ ምንባራ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ዝተወሰኑ ተፃወትቲ ጋንታ ኣርሰናል ምስ ወናኒ ጋንታ ኦሎምፒያኮስ ርክብ ገይሮም ከምዝነበሩ ኢዩ ዝተገለፀ።

እቲ ፀወታ ነዙይ ምኽንያት ብምግባር ዝተናውሐ እንትኸውን፥ ምስ ኢቫንጄሎስ ማሪናኪስ ርክብ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ተፃወትቲ ጋንታ ኣርሰና ድማ ናብ ፀወታ ቅድሚ ምምላሶም ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ቦታ ንኽፀንሑ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፀወታ ንኽንደይ ዝኣክል ከምዝተናውሐ ግን ዝተብሃለ ነገር የለን።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.