Fana: At a Speed of Life!

ማእኸላይ እዚ ኣብ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ንዝፍኖ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕ ምላሽ ንመሃብ ድሉው ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸላይ እዚ ኣብ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንዝፍንዉ ግብረ ራዕዳውያን ንምድምሳስ ኣብ ዘኽእሎ ቁመና ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ማእኸላይ እዚ “ስልጠና ንዝሓሸ ኣፈፃፅማ ወፍሪ” ብዝብል መሪሕ ኣብ ዝተውሃበ ስልጠና ኣመራርሓ ብዝኾነ ይኹን ነገር ዘይብዳህ ኣዋጋኣይን ተዋጋኣይን ምፍራሕ ከምዝተኽኣለ ዋና ኣዛዚ እቲ እዚ ሌተናል ጀኔራል ዘውዱ በላይ ተዛሪቦም።

“ብሱል ኣመራርሓ ብቑዕ ተዋጋኣይ ኣባላት ሰራዊት ንምፍራይ ኣይፅገምን” ዝበሉ እቶም ጀነራል መኮንን፥ ኣመራርሓታት ማእኸላይ እዚ ድሉውነት ሞራልን ስነ-ልቦናን ብምህናፅ ንዝኾነ ይኹ ወፍሪ ድሉዋት ክገብር ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

እቲ እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተዓጠቖ መሳርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ስነ-ልቦና ሰዓራይነት እውን ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ዋና ኣዛዚ ኮር ብርጋዴር ጀኔራል ተስፋዬ ረጋሳ እንትኾኑ፥ ኣብ ስልጠና ዝተረኸበ ዝተማለአ ድልዉነት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ገሊፆም።

ማእኸላይ እዚ ኣብ ዝተውሃቦ ወፍሪ ቀጠና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዝፍንዉ ራዕዳውያን ምድምሳስ ኣብ ዘኽእል ዘተኣማምን ብርኪ ምድላው ከምዝርከብ ምግላፁ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.